ፖሊስ “ፍሉያት ስርሒታት” ዘሳልጡሉ ዘለዉ ኣገባብ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዝያዳ ጒድኣት የስዕብ ኣሎ ክብል ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት
ኦዲት ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ፍሉይ ስርሒት ዝካየደሉ ግዜ ይናዋሕ ብምህላዉ ካብ ጠቕሙ ጒድኣቱ
ይበዝሕ ኣሎ” ክትብል ክትብል ሊንዳ ዮንሰን ካብ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ኣተሓሳሲባ። ንሳ "ድሕሪ ከቢድ ገበን ፖሊስ ነዚ ስራሕ ን
ሒደት ሰዓታት ወይ መዓልታት ጥራይ እንተዘካይድዎ ምኣኸለ፡ ዝተናውሐ ስርሒት ፖሊስ ካብ ጥቕሙ ጒድኣቱ ይዛይድ ኣሎ”
ኢላ’ላ። ሃገራዊ ኦዲት ንጽፈት ካልኦት ኤጀንሲታት መንግስቲ ምጽራይ ዕማሙ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ፍሉይ ስርሒታት ካብ ንቡር ናይ ፖሊስ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ድንገት ምስ ዘጓንፍ ዝኽሰት ጒዳይ እዩ። ማዕበል ገበናት፡ ብዙሕ
ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ግጥም ኲዕሶ እግሪን ተወሳኺ ጸጋታት ዝሓትት ምብጻሕን ገለ ካብዞም ኣብ “ፍሉይ ስርሒት” ፖሊስ
ዝምደቡ ኲነታት እዮም።