ፖሊስ ጣልያን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተዋደደ ምእታው ስርሒት ብምግባር 30 ኣባላት “ጸሊም ፋስ” ዝተሰምየ፡ ስቱር ውድብ ጎሓላሉ ናይጀርያ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ቢቢሲ ሓቢራ።
ብመሰረት ፖሊስ፡ እዚ ጉጅለ፡ ሰባትን ዕጸፋርስን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስግጋር፥ ምስፍሕፋሕ ምንዝርናን ዓሎቕ ኢንተርነትን ሓዊስካ ልዕሊ 100 ክሲታት ቀሪቡሎም ኣሎ። እዚ ጒጅለ ቢትኮይን ብምጥቃም ስቱር ፋይናንሳዊ ዕድግታት ክገብር ብምጽንሑ እውን ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ።
“ጸሊም ፋስ” ኣብ 1970ታት እዩ ኣብ ናይጀርያ ተቐልቂሉ። ኣብታ ሃገር፡ ጾታዊ ምድፋር’፥ ምቚራጽ ኣካላት ሰብን ሃይማኖታዊ ምስዋእቲ ሰብን የካይድ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ሓደ ሓያል ኣህጒራዊ መርበብ ክፈጥር ክኢሉ ኣሎ።
እዞም ኣብ ጣልያን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዮም ዘለዉ ሰባት፡ ምስቲ ናይ ናይጀርያ ጒጅለ ጒሓላሉ ርክብ ከም ዘለዎን ኲሉ ትእምርቲታቶም ተመሳሳሊ ምዃኑን ተገሊጹ’ሎ።