ፖሊስ ብዙሓት ሰባት ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ይክሰሱ ምህላዎምን መብዛሕቶም ግዳያት ድማ መናእሰያት ሙካኖም ይሕብር። ፖሊስ ድማ ን ወለድን መናእሰያትን ምክርታት ይልግስ። ፖሊስ ድማ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ መዘዝ ምስታፍ ኣብ ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ኪሕብርዎምን ይላቦ። ምክንያቱ መብዛሕቱ ግዜ ከምዚ ዓይነት ከም ገበን እዩ ዝቁጸር ፡ እዚ ኣብ ናይ ፖሊስ ገበን ረጂስተር ስለዝግበር እቶም መናእሰያት ኣብ መጻኢ ህይወቶን ብ ኣሉታዊ ይትንክፎ ። ን ኣብነት ን ስራሕ ምርካብን ን ትምህርቲ ምምሃርን።
ብተወሳክዉን ኻሕሳን ናይ ቤት ፍርዲ ዝወጸ ወጻኢታት ኪትከፍል ትግደድ ልዕሊ ኩሉ ድማ ከምዚ ዓይነት ገበን ማዕጾ መርሓዊ ናብ ገበነኛታት ስለስኮነ ወለዲ ን ደቖም ክመክሩ ፖሊስ ይላቦ። መብዛሕቶም መንእሰያት ግደ ገበን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብ ስዊሽ ዝኮኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 -25 ዝርከቡ እዮም። ሓንቲ ግደ እዚ ገበብ ዝኮነት ጓል 15 ዓመት መንእሰይ ከመይ ጌሮም ኣብ ብምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ከምዝእተዋ ኪትገልጽ ከላ፡ መንነቶም ዘይትፈልጦም ሰባት ገንዝብ ክትገብሪ ትደሊዶ ኢሎም ብ ዋትስ ኣፕፕ ጌሮም ሕቶ ከምዘቅረቡላን ንሳውን ንሕቶም ተቀቢላ 15000 ክሮኖር ብስዊሽ ተቀቢላ ብጥረ ገንዘብ ኣውጽያ ሂባቶም ነዚ ምግባራ ድማ 1500 ከፊሎማ።
እዛ መንእሰይ ገበነኛ ተባሂላ ተቀጺዓ። ምምልማል ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝሳተፉ መንእሰያት ንምርካብ ቀንዲ ቦታታት ድማ ትምርቲ መውዓሊታት፡ ቤት ትምርታትን ሹቃትን እየን ካብ ፖሊስ ዝተዋህቡ ኣገደስቲ ምክርታት – ናይ ባንክ ሕሳብ ቁጽርኩን ንማንም ከይተለቅሑ ብፍላይ ንዘይትፈልጥዎም ሰባት። ከምኡውን ብዛዕባካን ብዛዕባ ባንኪ ሕሳብካን ዝምልከት ሓበሬታትዉን ንዘይትፈልጦ ሰብ ኣይትሃብ። – ን ገንዘብ ኪትረክብ ኢልካ ካልኦት ንባንክ ሕሳብካ ኪጥቀምሉ ዘይምፍቃድ። – ዘይትፈልጦም ሰባት ናይ ስዊሽ መስመርካ ኪጥቀሙ ዘይምፍቃድዩ። Svt nyheter