ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ኣብ ከተማ ኪቭ ናይ መርመራ ቤት ጽሕፈት ይኸፍት ኣሎ። ዕላማ እዚ ኦፊስ፡ ድሕሪ ወራር
ሩስያ ኣብ ውሽጢ ዩክሬይን ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ኲናት ንምምርማር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሽወደን ነዚ ዕላማ ሰለስተ
መርመርቲ ፖሊስ ከተበርክት እያ።
"ተሓታትነት ንምርግጋጽ እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ብስሉጥ መንገዲ ሓበሬታ ንኽእክብ
ምኽኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ብዙሓት ሃገራት ክኢላዊ ዓቕመን ብምውፋር ክሕግዛ እየን” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን
ጉናር ስትሮመር ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
ብሰኑይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሚኒስተራት ፍትሒ ኣብ ላንደን ኣህጒራዊ ዋዕላ ብምክያድ ን ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት
(ICC) ዘለዎም ደገፍ ምግላጾም ዝፍለጥ እዩ። ካብ ምጅማር እዚ ወራር ኣትሒዛ ሩስያ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸር ገበናት
ኲናት ፈጺማ እያ ክብሉ ሰብመዚ ዩክሬይን ክኸሱ ጸኒሖም ኣለዉ።