ፖሊስ ሽወደን ካብ 15 ወለንተኛታት ዩክሬናውያን ጸብጻባት ምስክርነታት ናይቲ ኣብ ዩክሬይን ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ምቕባሎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ በዓልመዚ ፖሊስ ሽወደን ሓላፍነት ናይዚ ምጽራይ ኲናት ገበን ተዋሂብዋ እትዓዪ ዘላ ፓትሪሽያ ራኪ ኣርል ሕጂ’ውን ቃል መሰኻኽር ኣብ ምቕባል ምህላዋ እቲ ሓበሬታ ወሲኻ ኣመልኪታ። እዚ ዝእከብ ዘሎ ምስክርነት ኣብ ሽወደን ወይ ብኣህጒር ደረጃ ዝካየድ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ከም መርትዖ ክቐርብ እዩ–ብመሰረት እታ ሬድዮ።