ፖሊስ ሽወደን: ብጉዳይ ዓቅሚ ሰብ ኣመልኪቱ ብደሆታት የጋጥሞ ከምዘሎ’ኳ እንተሓበረ: ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2024: ተወሰኽቲ 10 ሽሕ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ: ናይ ምቁጻር ዕላምኡ ግን ከምዘየተዓናቅፎ ኣብ መርበብ ሓበረታ በዓል መዚ ፖሊስ ጽሒፉ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ።
ካብቶም ክቆጽሮም መዲቡ ዘሎ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ፡ እቶም 70% ኣባላት ወተሃደራዊ ፖሊስ ክኾኑ እንከለዉ: እቶም ዝተረፉ 30% ድማ: ሲቪል ፖሊስ ክኾኑ መደብ ሒዙ ከምዘሎ በዓል መዚ ፖሊስ ሓቢሩ።