ኣብ ምዕራብ ስቶክሆሎም፡ ያርቫ፡ ክፍጠር ተሰጊኡ ዝነበረ ደማዊ ግጭት ንምውጋድ ተባሂሉ ንኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ስርሒት ከምዝዛዘመ፡ ፖሊስ ስቶክሆሎም ሓቢሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ኣብ ከባቢታት ሪንኪቢ፡ ሁስቢን ቴኒስታን ዝርከባ ጉጅለታት ተላዕሊ ዝነበረ ግጭት ኮይኑ፡ ናብ ዝባኣሰን ደማዊ ግጭትን ክሰጋገር ተኽእሎ ዝነበሮ እዩ። ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ነዚ ስግኣት ንምውጋድ ብምባል ብ “ፖርትያ” ዝፍለጥ ስርሒት፡ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣበጊሱ። ኣብዚ ዝተኻየደ ስርሒት፡ 78 ሰባት ንመርመራ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም፡ 19 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ፖሊስ፡ 43 ዝተፈላለየ ዓይነታት ኣጽዋርን 360 ሽሕ ክሮና ከምዝራሰየን ተፈሊጡ ኣሎ።
ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ስርሒት ብምዝዛም፡ ጸብጻቡ ናብ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ከምዘረከበ ገሊጹ።
ሚንስተር ዳምቤሪ ብወገኑ፡ ንጻዕርታት ፖሊስ ስቶክሆሎም ብምምጓስ፡ ተቐማጦ ያርቫ፡ ሰላም ዝሰፈኖ ሂወት ክመርሑ ተመንዩ።