ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዝካይዱ መስርሕ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ሰባት፡ ክዓግት ከምዘይክእል፡ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ሰባት ንምልላይ ዘኽእል እኹል ተክኒካዊ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምክትታል ዶባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ፡ ንብዙሓት ዘይሕጋውያን ሰባት ክረክብ ከምዝኸኣለ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።
ኣብ ድልድል ኦሪሰን ዝርከቡ ፖሊስ ምክትታል ዶባት፡ ብጥርጣረ ንዝሓዝዎ ሰብ፡ ናብቲ ዝቐረበ ናይ ፖሊስ ኑቕጣ ብምውሳድ፡ መንነቱ ከረጋግጹ ከምዝግደዱ ምስታ ሬድዮ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ወሲኾም ገሊጾም።
መብዛሕትኦም ናብ ሽወደን ክኣትዉ ዝፍትኑ ሰባት፡ ሓቀኛ ተመሳሳሊ ፓስፖርት ሒዞም ከምዝመጹ፡ ፖሊስ ምክትታል ዶባት፡ ሓቢሩ።