ቅድሚ ክልተ ቅነ፡ ኣብ ሮዘንጎርድ፡ ድሕሪ እተፈጸመ ምቅጻል ቁርኣን ኣብ ዘሰዓቦ ናዕቢ፡ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ ማልመ፡ ኣብ ጎድኒ ፖሊስ ደው ምባሎም ተሌቪዥን ሽወደን ኣረጋጊጹ።
ኣነ ኣባል ናይዚ ማሕበረኮም ከም ምዃነይ መጠን፡ ኢደይ ጠሚረ ክርኢ ኣይክእልን እየ ክብል ኢብራሂም እተባህለ ሰብ ብቐዳም ን ኣገልግሎት ዜና SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኢብራሂምን ዮሱፍ ዝተባህለ ሰብን፡ ናዕቢ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ሕርቃንካ ምውጻእ ግጉይ ኣገባብ ተቓውሞ ምዃኑ ከርእዩ ፈቲኖም።
ናብ መካይን ናይ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ርእየ። ገለ ነገር ክገብር ስለዝነበረኒ ሕርቃንኩም ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ወይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክተውጽኡ ግቡእ ኣይኮነን ኢለ ክዛረቦም ፈቲነ” ይብል ኢብራሂም።
መጥፋእቲ ሓውን ኣሃዱ ቀዳማይ ረዲኤት ክመጹ እንከለዉ ጽርግያ ብሰብ መሊኡ እዩ ኔሩ። መጥፋእቲ ሓዊ ብሰንኪ ሰብ ናብቲ ዝድለ ቦታ ክኣትዉ ስለ እተጸገሙ መንገዲ ክንከፍተሎም ፈቲና ይብል ዮሱፍ ብወገኑ።
ማልመ ናተይ ከተማ እያ፡ ክከላኸለላ ድማ ይግባኣኒ እዩ ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ እኳ እንተተኻየደ ነበርቲ ማልመ ክብሪ ዝግበኦ ባህሪ ምርኣዮም እውን ተዓዚብና ኢና ክብል ኣፈኛ ፖሊስ ካሊ ፔርሾን ይገልጽ። ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ፡ ቀዳም ምሸት፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታ ብምምጻእ ሓድሽ ናዕቢ ከይክሰት ኣብ ጎድኒ ፖሊስ ደው ኣብ ምባል ንዝገብርዎ ጻዕሪ እውን ገሊጹ።
ሓደ ዴኒማርካዊ መንእሰይ፡ መጽሓፍ ቁርኣን እንዳ ኣቃጸለን ካልኣይ መንእሰይ ድማ ብእግሩ ንመጽሓፍ ቁርኣን እናቀለዐን ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ናዕቢ ከም ተላዕለን፡ ፖሊስ፡ ነቶም ነዚ ፍጻሜ ዝገበሩ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ብኡ ኣቢሎም እውን ንሕሉፍ ዴንማርካዊ ራስሙስ ፓሉዳን ናብ ሽወደን ከይኣቱ ምኽልካሉ ይፍለጥ።