ካብ 20 ክሳብ 26 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ናህሪ መካይን ንምዕጋት ስጒምቲ ክውሰድ ሙዃኑ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ሽወደን ይሕብር። ፖሊስ ሽወደን ካብ 20-26 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ሰሙን መዓልታት ትራፊክ ብምእዋጅ ናህሪ መካይን ብካሜራታት ንምቊጽጻር ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ክኢላ ስትራቴጂ ትራፊክ ኡርሱላ ኤድስትሮም ኣብ መርበብ ፖሊስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ምጒዳል ናህሪ ኣብ ምንካይ ሓደጋ ትራፊክን ሞትን ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ኣመልኪታ። እዚ ይዂን’ምበር ብርክት ዝበሉ ዘወርቲ መካይን ብናህሪ ከም ዝጓዓዙ ድማ ገሊጻ። ፖሊስ ኣብ ብዙሓት ነቚጣታት ናይ መከታተሊ ብምቕማጥ ብናህሪ መካይን ዝኽሰት ሞት ናብ ዜሮ ንምጒዳል ትሰርሕ ምህላዋ ድማ ኣስሚራትሉ።