ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ማልመ፡ ብመሪሕነት ርሑቕ (ጫፍ) የማናዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዴኒማርካዊ ፖለቲከኛ፡ ንኽግበር ቀሪቡ ዝነበረ ናይ ምትእኽኻብ ጠለብ፡ ብፖሊስ ማልመ፡ ፍቓድ ክምዘይረኸበ ተሓቢሩ። እቲ ዝተመደበ ፍጻመ፡ ንስርዓትን ጸጥታን እቲ ከባቢ ኣስጋኢ’ዩ ኢሉ ስለዝኣመነ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ነቲ ዝቐረበ ጠለብ፡ ከፍቅድ ከምዘይከኣለ፡ በዓል መዚ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ገጻቱ ሓቢሩ።
ነቲ ምትእኽኻብ ዝወደቡ ሰባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብቲ ምትእኽኻብ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮፓ ዘሎ እስላማውነትን ኣሉታዊ ጽልውኡን ዝብል ኣርእስቲ ክዛረብሉ ምዃኖምን ኣንጻር እስልምና ተቛውሞ ክገብሩን መደብ ከምዝነበሮም ገሊጾም። ብዘይካ እዚ፡ እቲ መራሒ ጫፍ የማናዊ ሰልፊ ታይት ኮርስ ዝኾነ ራስሞስ ፓሉዳን፡ ኣብቲ ናይ ምትእኽኻብ ቦታ “ ንቑርኣን” ከቃጽል መደብ ከምዝነበሮ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣንጻር ቀቢላዊ ጉጅለታት ምቕስቓስ (ናዕቢ) ብምፍጣር ዝተኸሰሰ፡ ናይ ጎደናታት ኣርቲስት ዝኾነ ዳን ፓርክ ዝተባህለ ምንባሩ ይዝከር።