ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ዝርከባ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ መስርሕ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንናእሽቱ መንእሰያት ከምዝጥቀማሎም ካብ ተሌቪዥን ሽወደን ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ። እዘን ናይ ገበን ጉጅለታት ንደቂ 15 ክሳብ 25 ዝዕድሚኦም መንእሰያት እናተጠቀማ እቲ ናይ ገንዘብ ምስግጋር መስርሕ የሰላስለኦ ከምዘለዋን ኣብ ስኮና ጥራይ ክሳብ 5000 መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ገበን ስራሓት ተሳቲፎም ከምዘለዉ ፖሊስ ንዝሃቦ ጸብጻብ ኣመሓላሊፋ።
ዝበዝሑ ካብዞም ገበነኛታት መንእሰያት፡ ኣብቲ ናይ ገበን ስራሓት ዝተሳተፉ ወይ ድማ ብሰንኪ ካብተን ናይ ገበን ጉጅለታት ዝመጾም ምፍርራህ ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ወይ ዝተታለሉ ምዃኖም ፖሊስ ይሕብር። እዘን ናይ ገበን መርበባት ነዞም መንእሰያት ከም ሓለውቲ ገንዘብ ወይ ኣብ ናይ ገንዘብ ምስግጋር ከም ሞንገኛታት እየን ዝጥቀማሎም። ብዙሓት መንእሰያት ዝርከብሉን ዝእከብሉን ቦታታት እናተጓዓዙ ነቶም መንእሰያት ከምዝረኽብዎም ሞኮንን ፖሊስ ዝኾነት፡ ካይሳ ኢርንሆልት፡ ሓቢራ።