ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ጂሚ ኣከሰን ብዛዕባ ምስንባት ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ከበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ፖለቲከኛታትን ሰብመዚ መንግስትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ቲግኔል ኣብዚ ጒዳይ ዝህሉ ምትእትታው ፖለቲከኛታት ንዕዮ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ክሕንክሮ እዩ ንዝብል ምጒት ነጺግዎ’ሎ። ብዛዕባዚ ዝኾነ ህጹጽ ስግኣት ይህሉ እዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን ድማ ኢሉ። ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ንቲግኔል ዘለዎ ጽኑዕ ደገፍ ምግላጹ ድማ ተመልኪቱ።
ኣብ ፖለቲካዊ ኽትዕ ንኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ዛዕባ ምግባር ዘይግቡእ እዩ ክብል ዮሃን ካርልሰን ብሰንበት ን ኣገልግሎት ዜና TT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብሪሁ። ቲግኔል ንባዕሉ ኣብ ርእይቶ እቲ ፖለቲከኛ ዛጊት መልሲ ዘይምሃቡን ተፈሊጡ። “ፖለቲካዊ ክትዓት ንፖለቲከኛታት ንግደፈሎም” ክብል ብሓጺሩ እዩ መሊስሉ። ይዂንምበር ለበዳ ኮሮና ብኸምዚ ኣገባብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ምዃኑ ንዕማም መኸተ በዓልመዚ ጥዕና ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል እኳ ፍርሁ እንተገለጸ ኣብ መትከል እቲ በዓልመዚ እምንቶ ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ’ሎ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርግሐ ስራሕን መሰላት ምውሳንን ርጉእ ሞዴል ከም ዘሎና እየ ዝኣምን ክብል ድማ ነቲ ስግኣት ኣቃሊልዎ ኣሎ።