ባይቶ ኤውሮጳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፥ ኣብ ኣባላት ሃገራት ስነ-ህይወት ንምምላስ ዝዓለመ እማመ ኣጽዲቑ። እቲ እማመ፡ ብዙሕነት
ህይወትን ክሊማን ንምድንፋዕ፡ 20 ሚእታዊት ካብ መላእ መሬትን ባሕርን ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ 2030 ናብ ንቡር ክምለስ
ክጅምር ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ። እቲ እማመ ግን ኣካታዒ ኮይኑ፡ ኣብ መንግስቲ ሽወደን ዝርከቡ ሰለስተ ውድባት ከይተረፉ በቲ
ውጥናት ተፈላልዮም ኣለዉ። ዓቃባዊ ስልፊ፥ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ከምኡ’ውን ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ነዚ እማመ
ተቓዊሞም ኣለዉ። ባይቶ ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ምብጽሑ ከም ዘሕዘኖ ካብ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ዝኾነ ዩዋ ኒሰናን
ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ሓረስቶት ሽወደን ዝወሓደ ንጥፈት ከካይዱ ዝገብር እዩ ዝበለ ኒሰናን፡ ሽወደን ዝያዳ ኣቕሑ ካብ ወጻኢ
ንኽትሽምት ዘገድድ እዩ ክብል ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ። እንተኾነ ግና ኣብ ስልጣን ኣብ ዘሎ መንግስቲ ሚኒስተርነት ኣከባቢ ሒዙ
ዘሎ ሰልፊ ሊበራል ነዚ እማመ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ እዩ ዝገልጽ። ብዘይካዚ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፥ ሓምላይን
ጸጋማይን ነዚ ማመ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።