ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቤላሩስ ሰለስተ ግዜ ተራኺቦም
ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክረይንን ጽባሕ ኣብ ከተማ ቱርኪ ኣንታልያ፡ እንትራኸቡ፡ ፕረዝደንት ረሲጵ ታይፕ ኤርዶዋን ከምዘዛትዮም ተገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ክልቲኦም ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ዘካይድዎ ዘተ፡ ‘ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር በሪ ዝኸፍት ክኸውን እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር” ኢሉ።
ቱርኪ፡ ሽሕ’ኳ ኣባል ሃገር፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እንተኾነት፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ብዝምልከት ካብ ምዕራባውያን ዝተፈለየ መርገጺ፡ ከሰጉም ይፍትን ከምዘሎ ይዝረብ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩሲያ፡ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ምስ ዩክሬናዊ መዘንኡ፡ ዲሚትሮ ኩሌባ፡ ኣብ ቱርኪ ተራኺቦም ክዝትዩ ትጽቢት ይግበር።
ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈነወቶ ወተሃደራዊ ወራር፡ ክልተ ሰሙን ክመልኦ ዝተቓረበ ኾይኑ፡ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቤላሩስ ንሰልሳይ ግዜ ተራኺቦም እንተዘተዩ’ኳ፡ ነቲ ኲናት ዛጊድ ፍታሕ ኣይተረኽቦን ተባሂሉ።