ትሑት ብቕዓት ንዘድልዮም ስራሓት ንኽሰርሑ ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ቁጽሮም ክውሕድ ኣለዎ፡ ፓርላማ ነዚ ጉዳይ ጸማም እዝኒ ሂቡ ሸለል ክብሎ ከምዘይብሉን ትሪር ናይ ኤሚግሬሽን ፖሊሲታት ክህሉ ከም ዝደሊን መራሒ እቲ ማሕበር ዝኾነ ካርፕ ፒተር ሶራልድሰን ን ዳገንስ ንሄተር ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣስሚዑ።
ብመሰረት ቃል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብምኽንያት ስራሕ ናብ ሃገር ንምእታው ፍቓድ ዝወሃቦም ሰባት ብዝሖም እናዛየደ ከም ዝመጸን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ 4 ካብ 10 ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝወሃቦም ወጻእተኛታት ትሑት ብቕዓት ሞያ ዘለዎም ኮይኖም እዚ ከምዚ ዓይነት ሰራሒ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣብ ሽወደን ክርከብ ከም ዝኽእል ኣብ 2016 ዝወጸ መግለጺ መወከሲ ገይሩ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት’ዚ ልዑል ብቕዓት ሞያ ዘለዎም 10000 ሰባት ናይ ስራሕ ፍቓድ ረኺቦም።
ንጉዳይ ኢሚግሬሽን ኣመልኪቱ እቲ ሕግታት ፍቓድ ስራሕ ከምቲ ቅድሚ 2008 ዝነበረ ተሪር ኣተሓሕዛ ክምለስ ድልየቱ ምዃኑ ሶራልድሰን (Thoraldson) ን ዳገንስ ንሄተር ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣስሚዑ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝግበር ምዝርራብ ኣብ መንጎ መንግስትን ስተፋን ሎዩቨን ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብቲ ናይ SPD ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት LO ሓቢሩ።