ፕረዚደንት ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ እዋን ሕላፍ ሰዓት፡ ሓድሽ ፕሮጀክት ሆስፒታል ብምምራቑ፡ ካብ ኬንያውያን ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ ተገሊጹ።
ንሱ ትማሊ ምሸት፡ ሆስፒታል ኣብ ዘመረቐሉ እዋን፡ እዚ ምግባር፡ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ዘለዎ ስሉጥነት ንምርኣይ ሓጋዚ እዩ ኔሩ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ቀትሪ ምብጻሕ ፈጺመ እንተዝነብር ነቲ ርሕቀትካ ምሕላው ዝብል ሕጊ ምጠሓስኩ ክብል ንጋዜጠኛታት ኣመኻንዩ’ሎ። እዚ ይዂን እምበር፡ ኬንያውያን ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን፡ ነዚ ተግባራት ፕረዚደንቶም ብትሪ ይነቕፍዎ ኣለዉ።
ሓደ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ስለምንታይ እዩ ኡሁሩ ምሸት ኣብ እዋን ሕላፍ ሰዓታት፡ ፕሮጀክት ዝምርቕ ዘሎ…ንሕግና ኣኽብሮት ስለ ዘይብሉ እዩ፡ እዚ ብቤት ፍርዲ ክረአ ኣለዎ፡ ክብል እንከሎ ካልኦት ድማ ብተመሳሳሊ ሕግ ኣብ ልዕሊኡ ክውዕል ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።
እዋን ሕላፍ ሰዓታት ኣብ ኬንያ፡ ካብ ሰዓት 10 ምሸት ክሳብ ሰዓት 4 ወጋሕታ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።