ፕረዚደንት ቱርኒዝ፡ ቐይስ ሰዒድ፡ ንቅዋም እታ ሃገር ክኽተል ምዃኑን ንናጽነት’ታ ሃገር ክከላኸል ምዃኑን ንህዝቢ ቱኒዝያ ቃል ኣትይሉ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ቐይስ፡ ንናይ ቀደም ናይ ጸጥታ ኣማኻሪ፡ ሪዳ ጋርሳላዊ፡ ከም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን፡ ብሓሙስ ከም ዝመዘዘ ተፈሊጡ።
ኣብ ምጅማር እዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ ንቀዳማይ ሚኒትሰር ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ሰብ መዚ ካብ ስልጣን ምብራሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ናይ ፕረዚደንት ተግባራት፡ ምስ ዕልዋ ከም ዘይፍለ ብዙሓት ናይ ውሽጥን ደገን ፖለቲከኛታት እኳ እንተነቐፍዎ፡ ንሱ ግና ንህጹጽ እዋን እትደንገገ ዓንቀጽ 80 ቅዋም እታ ሃገር እናጠቐሰ ንተግባራቱ ምኽኑይ ክገብር ጸኒሑ’ሎ።
ህዝቢ ቱኒዝያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምምዛዝ ነታ ሃገር ካብ ቅልውላው ከውጽኣ ይጽበዩ ኣለዉ። ዛጊት ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ወይ’ውን መሰሉ እተጋህሰ የለን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ጥሕሰት ሕጊ ከምዘየለ እቲ ፕረዚደንት ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ።