ኣብ ከተማ ኢስታንቡል፡ ብስርሒት ስዑዲ፡ ጋዜጠኛ ኻሾግጂ ድሕሪ ምሟቱ፡ ዝምድና ቱርኪን ስዑዲ ዓረብን ሓርፊፉ ምጽንሑ፡ እንተኾነ ግን ኣንካራ ምስ ሪያድ፡ ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ድሌት ከም ዘለዋ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ነዚ ጉዳይ መሰረት ብምግባር፡ ፕረዚደት ቱርኪ፡ ጠይብ ኡርዶጋን፡ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ንክልቴኣዊ ዝምድናአን ብዝምልከት ናይ ተሌፎን ዘተ ኣካዪዱ’ሎ።
ንሞት ጋዜጠኛ ኻሾግጂ ስዒቡ ድሕሪ ዘጋጠመ ቅልውላው ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ነጋዶ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕሑ ቱርኪ እገዳ ኣንቢሮም ምጽነሖም ይፍለጥ።
ትማል ሰሉስ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ክልቲአን ሃገራት ንዝምድናን ዝጸሉ ዛዕባታት ኣልዒለን ከም ዝገምገማን ነዚ ንምምሕያሽ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ጒዳያት ምዝርራበንን ዳይረክቶረይት ርክባት ቱርኪ ገሊጹ’ሎ። ኣፈኛ ኡርዶጋን፡ ኢብራሂም ካሊን፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኡርዶጋንን ንጉስ ሳልማንን ጽቡቕ ክበሃል ዝከኣል ጻውዒት ምግባሮምን ሚኒስተራት ክልቲአ ሃገራት ክራኸቡ ኣብ ስምምዕ ምብጽሐንን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።