ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ፡ ጆን ማጉፉሊ፡ ናይ መጨረሽታ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተራእየሉ እዋን፡ ቅድሚ 17 መዓልታት እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎን እንታይ ከምዘጓነፎን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። ብሕማም ኮቪድ-19 ተለኺፉ ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብሉ ወገናት ክህልዉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ይስምዑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብቲ ሃገር፡ ንህላውነት ፕረዚደንት ምሕታት፡ ዘእስር ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ ውን ገለ ወገናት ይሕብሩ።
ዘጋጠመ የጋጥም ብዘየገድስ፡ ስቕታ ናይ መንግስቲ፡ ተወሳኺ ግዜ ንኽረክብ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ነዚ ናይ ብዙሓት ሕቶ፡ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ ዝምልስዎ እዩ።