ፕረዚደት ጆ ባይደን፡ ኣብ ትግራይ፡ ምቊራጽ ተኹሲ ክግበር ሓቲቱ። ንሱ፡ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ግፍዕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ደው ክብል እውን ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኩናት ትግራይ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ጸብጻባት የመልክቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ትግራይ፡ ብርቱዕ ጥሜት ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ክልተ ኣዋርሕ፡ ረድኤት ዝውሰኸሉን ዝባጻሓሉን ኲነታት እንተ ዘይኣውሒስና ዘሰክፍ ጥሜት ክኽሰት ይኽእል እዩ” ዝብል ሓበሬታ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብጽሑ ኣገልግሎት ዜና AFP ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ትግራይ፡ 90% ኣዝመራ፡ ብሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ከም እተቓጸለን ከም እተዘምተን ዝመልክተ እቲ ሓበሬታ፡ ብዘይካ’ዚ፡ 80% ጥሪት ትግራይ ክቕተላን ክዝመታን ከም እተገብረ ገሊጹ’ሎ።