ሕማም ኮሮና ኣብ ኣውሮጳ ይላብዓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሰባት ብምኽንያት በዓል ብኸመይ ክጓዓዙ ከም ዝኽእሉ ዛጊት ንጹር ኣንፈት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫንደር ሊን ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ጒዕዞ ውጥንን ምሕዛእን ከየካይዱ ኣጠንቂቓ ኔራ። ምስ ፖርቱጋላዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ከኣ ብዛዕባዚ ገለ ተወሳኺ መብርሂ ሂባ’ላ። ንሳ ሰባት ን ማሕበራዊ ምፍንታትን ጽሬትን ኣብ ግምት ዘእቱ በዓል ናይ ምሕላፍ ሜላ ክሓስቡሉ ድማ ኣተባቢዓ። ኣብ ሽወደን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ 11 ምምሕዳራት ከተማ ንመንግስቲ ኣብ ዝጸሓፋኦ ደብዳቤ ኣብ ከባቢአን ንዘይተመዝገቡ ነባሮ ዘቤታዊ ክንክን ካብ ምሃብ ንግዜኡ ሕድገት ክግበረለን ሕቲተን ኣለዋ። እዘን ከተማታት ብቱሪስት ፍቱዋት ብምዃነን ብክረምቲ ኣዝየን ከም ዝሕረያን ኣብዚ እዋን ዘሎ ሕማምን ጻዕቂ በጻሕቲን ምእንጋድ ከም ዘሸግር ድማ ተመልኪቱ።