ፕረሲደንት ናይጀርያ: ማማዱ ቡሃሪ: ንስሩዕ ሕክምናዊ ቆጸራ ናብ ላንደን ክኸይድ እዩ ክብል ቤትጽሕፈቱ ገሊጹ’ሎ።
ቡሃሪ ኣብዛ ዓመት ብምኽንያት ሕማም ናብ ላንደን ክጐዓዝ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንኽልተ ሳምንቲ ኣብ ላንደን ምቕናዩ ዝዝከር እዩ።
78 ዝዕድሜኡ ቡሃሪ: ኣብ ዓመታት ፕረሲደንትነቱ ካብ 2015 ኣትሒዙ ናብ ብሪጣንያ ኣዘውቲሩ ከም ዝጓዕዝ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እንታይነት ሕማሙ ግና ፍሉጥ ኣይኮነን ኢሉ።
ኣገልግሎት ጥዕና ናይጀርያ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከም ዝርከብ ዝጠቕሱ ምንጪታት: ቡሃሪ: ንኽሕከም ናብ ብሪጣንያ ምምልላሱ ሓደ ካብቲ ዘንቅፎ ዛዕባታት ምዃኑ የመልክት።