ፕረሲደንት ሶማል፡ መሓመድ ዓብደላ መሓመድ (ፎርማጆ)፡ ምስ ሰብ ጒዳይ ፖለቲካ ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክሸማግል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። ንሱ፡ ብሰንበት ናብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝገብሮ ዘይወግዓዊ መገሻ እዩ ነዚ እማመ ኣቕሪቡ ዘሎ። ንሱ፡ ምስ ኣቦወንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ፈሊክስ ትሺሰከዲ፡ ድሕሪ ምርኻብ እዩ ነዚ ሓሳብ ኣቕሪቡ ክትብል ድማጺ ኣመሪካ ሓቢራ።
ፎርማጆ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፡ ንሽምግልና ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ከም ዝደሊ ብዝርዝር ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ሶማል፡ ሰለማውን ንኹሎም ወገናት ዘሳትፍን ኣብ ግዜኡ ዝካየድ ምርጫን ንምክያድ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ መንጎ ሶማላውያን ዘሎ ምፍሕፋሕ ክሽምግል፡ መንግስቲ ፎርማጆ፡ ብሓጎስ ዝቕበሎ ጒዳይ እዩ ክብል እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ።
ብ 12 ሚያዝያ፡ ታሕተዋይ ባይቶ ሶማል፡ ስልጣን ሓጋጊን ፈጻሚን ኣካል፡ ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ ብ ላዕለዋይ ባይቶ ከቢድ ተቓውሞን ምንጻግን ከም ዘጋጠሞን እታ ሃገር፡ በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚማ ምህላዋን ጸብጻባት የመልክቱ።
ፈሊክስ ትሺሰከዲ፡ ንተበግሶ ፎርማጆ፡ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ገሊጹ’ሎ።