ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር ኣብ ቤቱ ክልተ ሚልዮን ዶላር ከም እተረኽቦን ሎሚ ቀዳም ብጒዳይ ብልሽውና ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ምውዓሉን ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብ ተሃድሶ ክልተ ዓመት ክጸንሕን ገንዘቡ ክውረስን ተወሲኑ’ሎ። ብመሰረት ሕጊ ሱዳን ኣልበሽር እተኸሰን ክልተ ጒዳያት እንተበዝሐ ክሳብ 13 ዓመት ከፍርዳኦ ይኽእላ እየን። እንተኾነ ግና ኣልበሽር ዕድሚኡ ልዕሊ 70 ምዃኑ ብምምልካት ነቲ ፍርዲ ክፎኲስ ከም እተገብረ እዩ ተገሊጹ።
ኣብቲ መጋባእያ ኣልበሽር ብኣካል ምቕራቡ ድማ ተመልኪቱ። ደገፍቲ ኣልበሽር ነቲ መስርሕ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ክዕንቅፉ ከም እተራእዩን ጠበቓኡ” እዚ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ” ክብል ከም ኣዋዲቕዎ እዩ። እቲ ቤትፍርዲ ነዚ ብምርኣይ ነቶም ደገፍቲ ብምስጓጒ ነቲ ውዕሎ ከም ዝቐጸሎ ኸኣ ተፈሊጡ። ኣልበሽር ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዛት ናብ ናይ ግሊ መዓላ ኣውዒልዎ ተባሂሉ እዩ ተኸሲሱ። ኣብዚ ክሲ ድማ እቲ ካብ ንጉስ መሓመድ ቢን ሰልማን ዝተረኸበ 25 ሚልዮን ዶላር ከም ኣብነት ተላዒሉ’ሎ።
ኣብ ምጅማር እቲ መጋባእያ ዳኛ ኣልበሽር ሳድቕ ኣብዱራሕማን ኣብ ቤት ኣልበሽር ሸውዓተ ሚልዮን ዩሮ፥ ልዕሊ 351 ሽሕ ዩሮን ሽዱሽተ ሚልዮን ፓውንድ ሱዳንን ምርካቦም ገሊጹ ኔሩ። ኣልበሽር ኣብ ዝሃቦ ቃል እዚ ኣብ ቤቱ እተረኽበ ገንዘብ ናይቲ ዝተጠቕሰ 25 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ብምእማን እዚ መርኣያ ስትራቴጅያዊ ዝምድና ሱዳንን ስዑዲያን እምበር ናብ ናይ ግላዊ መዓላ ዝወዓለ ዘይምዃኑ ገሊጹ’ሎ።