ፈረንሳ ብምኽንያት ፍርሂ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19 ን ሓደ ወርሒ ዝኸውን ን ፓሪስ ክትዓጽዋ እያ። ኣብ 16 ከባቢታት ፓሪስ ዝቕመጡ 21 ሚልዮን ህዝቢ፡ ካብ ዓርቢ ለይቲ ኣትሒዞም በዚ ኣገባብ እዮም ክተሓዙ ተባሂሉ’ሎ።
እዞም ሕጊታት ከምቶም ዝሓልፉ ተረርቲ ኣይክኾኑን እዮም ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዢን ካስት፡ ሰባት ኣብ ግዳም ምንቅስቓስ ክፍቀደሎም እዩ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ፈረንሳ 35 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ተኸሲቱ ኣሎ ብምባል ፡ዥን፡ ገሊጹ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሓጺር እዋን፡1200 ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ብምእታዎም፡ ነዚ ጒዳይ ኣሻቓሊ ጌርዎ ኣሎ ክብል ሚኒስተር ጥዕና፡ ኦሊቨር ቨራን፡ ሓቢሩ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ወሰንቲ ዘይኮኑ ቢዝነሳት ክዕጸዉ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ክፉታት ክጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።