ኣብ ሽወደን፡ ካብ ሰበይትኻ ወይ ካብ ሰብኣይኪ ክትፋትሑ ትኽእሉ ኢኹም። ዋላ እቲ ካልኣይካ ወይ ካልአይትኻ ፍትሕ ኣይድለ/ኣይትድለ፡ ምፍታሕ ይክኣል እዩ። ክፋታሕ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ኮምዩን ናብ ዝርከብ ከባብያዊ ቤት ፍርዲ (Tingsrätten) ብምኻድ፡ ብዛዕባ ፍትሕ ከመልክት ይኽእል’ዩ።
ሰብ ሓዳር ክልቲኦም፡ ብሓደ ኮይኖም፡ መመልከቲ ቅጥዒ ፍትሕ ከእትዉ ይኽእሉ’ዮም። እንተዘይተሰማሚዖም ግን: ሓዲኦም ንበይኑ፡ መመልከቲ ቅጥዒ ፍትሕ ክመልእን ከመልክትን ይኽእል’ዩ።
ቆልዑ ዘይብሎም ሰብሓዳር፡ ናይ ፍትሕ ጠለብ ምስ ዘቕርቡ፡ ቤት ፍርዲ፡ ቀልጢፉ ፍትሕ ክውስነሎም ይኽእል። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ምስ ዝህሉዎም ወይ’ውን ሓዲኦም ክፋታሕ ምስ ዘይደሊ፡ ቤት ፍርዲ፡ ንኽውስን ግዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቶም ክፋትሑ ዝደልዩ ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ጒዳይ ክሓስቡሉ ግዜ ክህቦም ብምሕሳብ’ዩ። እዚ ኸኣ፡ ናይ ዳግመ ግምት ግዜ (betänketid) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ዳግመ ግምት ግዜ፡ እንተሓጸረ ሽድሽተወርሒእንተነውሐ ኸኣ፡ ሓደ ዓመት እዩ።
እቶም 6 ናይ ዳግመ ግምት ኣዋርሕ ምስ ሓለፉ፡ እሞ ኸኣ ነቲ ናይ ምፍታሕ ውሳነኹም ምስ ዘይትቕይሩዎ፡ ምስቲ ቤት ፍርዲ ተራኺብኩም ክትዘራረቡ ኣለኩም። እዚ ኸኣ ነቲ ዝጀመርኩሞ ናይ ፍትሕ መስርሕ ኣብ መፈጸምትኡ ምብጻሕ ይብሃል። ነቲ ፍትሕ ናብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ዝብል ደብዳበ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ዘይትልእኩ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝጀመርኩሞ ናይ ፍትሕ መዝገብኩም ይዓጽዎ። ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ናብቲ ሓዳር፡ ብድልየቱ ዘይኮነ ብግዴታ ከም ዝኣተዎ ምስ ዝግንዘብ፡ እቲ ናይ ፍትሕ ጠለብኩም ብዘይ ናይ ዳግመ ግምት ግዜ ከም ዝውሰን ይገብር።
መጒዚትነት ቆልዓ
መጒዚትነት ቆልዓ ማለት፡ እቲ ኣላዪ፡ ዝበዝሕ ግዜ ግን ወላዲ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ቆልዓ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቲ ቆልዓ ናይ ምእላይ መሰልን ግቡእን ኣሎዎ ማለት’ዩ። ብመሰረት ሕጊ፡ ቆልዓ 18 ዓመት ክሳዕ ዝመልእ፡ መጒዚት (መዕበዪ) ክህሉዎ ኣሎዎ። መንእሰይ ውላድኩም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝምሃር ምስ ዝኸውን፡ ክሳብ 21 ዓመት ዝመልእ፡ ናይ ምዕንጋሉ ወይ ናይ ምጣሩ ሓላፍነት ዝህልወኩም፡ ንስኻትኩም ኢኹም።
ሓባራዊ መጒዚትነት ማለት፡ ክልቲኦም ወለዲ፡ ኣብ ውላዶም ሓባራዊ ሓላፍነት ኣሎዎም ማለት’ዩ። ንውላዶም ዝምልከት ጒዳይ’ውን ብሓባር ክውስኑ ኣለዎም። ክልቲኦም ወለዲ፡ ብሓደ ዘይቅመጡ ዋላ ይኹኑ፡ ሓደ ዓይነት ግቡእን ሓላፍነትን ኣሎዎም። መጒዚት እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ውላድካ ሓበሬታ ክትረክብ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብ መውዓሊ ህጻናት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ሓለዋ ጥዕና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ፖሊስን ካልኦት ትካላት መንግስትን፡ ንውላድካ ዝምልከቱ ጒዳያት ክትፈልጥ፡ መሰል ኣሎካ ማለት’ዩ።
ንጽል መጒዚትነት ክብሃል ከሎ፡ ሓደ ካብ ወለዲ ጥራይ ሓላፍነት ቆልዓ ኣሎዎ ማለት’ዩ። እዚ ወላዲ’ዚ፡ በይኑ’ዩ ንጒዳይ ናይቲ ቖልዓ ኣመልኪቱ ናይ ምውሳን መሰል ዘሎዎ። ምርዑዋት እንተ ዄንኩም፡ ንሓላፍነት ደቅኹም ብዝምልከት ቀጥታዊ ሓባራዊ መጒዚትነት ኣሎኩም ማለት’ዩ። እንተ ዘይኴንኩም ግን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (ቤት ጽሕፈት መሰል ስድራቤት) ኬድኩም ኣቦ ቖልዓ፡ መን ምዃኑ ወረቐት ክትመልኡ ኣለኩም። ሽዑ ኸኣ ነቲ መጒዚትነት ካብ ሓደኹም ናብ ክልተኹም ከተቐይሩዎ ትኽእሉ።
ክትፋትሑ እንተ ወሲንኩም፡ እሞ ድማ ‘መንኩም መጒዚትነት ቆልዓ ይውሰድ?’ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሕኩም፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ‘መሰል ስድራቤት (familjerätten)’ ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ዘከራኽረኩም ጒዳይ፡ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሕግዙኹም እዮም። እቲ ጒዳይ፡ ብመንገዶም ክፍታሕ ምስ ዘይክእል ግን፡ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ስለዘሎዎ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክሓልፍ ግድን ይኸውን። ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ‘እዚ ወላዲ’ዚ ሓላፍነት ቆልዓ ይወሃቦ! ምስ’ዚ ይቀመጥ!’ ዝብል ውሳነ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ንቤት ጽሕፈት መሰል ስድራቤት፡ ነዚ ጒዳይ’ዚ ብዝምልከት፡ መጽናዕቲ ክገብር ይሓቶ።
ምንጪ: informationomsverige