ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ፡ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ መጠን፡ ብ 0.1% ብምጉዳሉ፡ ናብ 9.8% ከምዝወረደ ዓመታዊ ጸብጻብ ኮሌጅ መዲየሽን (Mediation Institute) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ይኹን እምበር፡ መጠን ምንቁልቋል ፍልልይ ደሞዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ትሑት ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ዓምታዊ መጠን ምጉዳል ፍልልይ ደሞዝ ክትግምቶ ዘይካኣል ኣብ ልዕሊ ምኳኑ፡ ዓመተ 2020 ድማ ብኹሉ መዐቀኒታት ፍልይቲ ምንባራ እቲ ጸብጻብ ዘኪሩ።ውዕላት ደሞዝ ክናውሑ፡ ብዙሓት ውን ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ደሞዝ ዘይረኣይሉ ዓመት እዩ ነይሩ።ይኹን እምበር፡ ወላ’ኳ ብውሑድ ዓቐን ይኹን፡ ፍልልይ ደሞዝ ካብ ምጉዳል ኣየቋረጸን ክብል ዳይረክተር ጀነራል ናይቲ ኮሌጅ፡ ኢሬን ወነሞ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ።
ካብ ዓመተ 2007 ጀሚሩ፡ መጠን ፍልልይ ደሞዝ ብድምር 6.5% ምጉዳሉ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈጥረ ፍልልይ ደሞዝ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ክፍሊትን ባህርያትን ዘለዎም ስራሓትን ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ምምቕራሕ ስራሕ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጾታታት መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ከምዝተራእየ፡ ወነሞ፡ ገሊጻ።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስራሕ፡ ዕድመ፡ ደረጃ ትምህርትን ካልእ ረቑኣሒታትን ኣብ ግምት ወላ እንተየእተና፡ ጌና ክንትንትኖ ዘይከኣልና ናይ 4.4% ፍልልይ ደሞዝ ኣሎ ክብል እቲ ኮሌጅ ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ እተን ዝያዳ ብቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዝተሃስያ ምኳነን ገሊጹ።