ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ዝነበረ ግዜ፡ ፌስቡክ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘሉ ጽሑፋት ከምዝሰረዘ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
ንሓቅነት ትሕዝቶ ናይቶም ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝጸሓፉ ጽሑፋት ንምርግጋጽ፡ ፌስቡክ፡ ምስ 60 ዝተፈላለያ ማሕበራት ከምዝተሓባበር ይፍለጥ።
ሓንቲ ካብተን ፌስቡክ ዝሰረዘን ጽሑፋት፡ “ህጻናት ብቫይረስ ኮሮና ኣይልከፉን እዮም” ትብል ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተዘርገሐት ጽሕፍቲ ምንባራ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዛዕባ ኮቪድ-19 ትሕዝቶ ዘለዎም፡ ኣስታት 98 ሚልዮን ጽሑፋት፡ ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘሉ እዮም ብምባል ፌስቡክ ምልክት ተገይርሎም ኣሎ። ክሳብ ደረጃ ምስራዝ ግን ዝበጽሑ ኣይኮኑን ተባሂሉ። ዝኾነ ሰብ፡ ነዞም ጽሑፋት ከንብብ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ድማ ካብ ፌስቡክ፡ ግጉይ ሓበሬታ ከምዘለዎ ዝነግር ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ከምዝመጾ ተሓቢሩ።