እቲ ለበዳ ኪዝርጋሕ ምስ ጀመረ፡ ፊንላንድ ካብ ሽወደን ንላዕሊ ቅየዳታት ኣተኣታቲ እያ። ሚካ ሳልሚነን፡ ሓላፊ ክንክን ጥዕና፡ እቲ ቅየዳታት፡ ቀጻሊ ምዝርጋሕ ለበዳ ከምዝንኪ ብምግባሩ ውጽኢት ክኽውን ዝኽኣለ ብምባል ድማ ይውስኽ። ሳልሚነን ኣብ ፊንላድ ልክዕ ከም ናይ ሽወደን ቲንገል እዩ። ፊንላንድ ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ኣብያተ ትምርቲ ዓጽያ፡ ነተን ኣውራጃታት ድማ ከም ዚብሕታ ገይራተን። እዚ ምዕጻዋት ግን ነቲ ለበዳ ነዊሕ ከም ዚጸንሕ ገይሩዎ። ስለዚ እቲ ለበዳ ክሳዕ ቀውዒ ክቕጽል እዩ ዝብል ግምታት ምህልዊ ገሊጹ። ቀጺሉ’ውን፡ እቲ ቅየዳ ምስ ተጀመረ፡ ናይቲ ለበዳ ባህርያት ኣመዓባብላ ኣዝዮም ከምተሽገሩ ብምሕባር፣ ሕጂ ድማ ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ግዜ ወሲዱ ብምህላዊ ኣብ ኢኮነሚ እዛ ሃገር ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ይገሊጹ።
ይኹንምበር፡ ይብል ንሱ፡ እቲ ቀስ ዚብል ናይቲ ለበዳ ዝርጋሐ፡ ነቲ ኣብ ማእከላት ክንክን ጥዕና ዘሎ
ወጥሪ ከልግሶ ይኽእል ክብል ነዚ ህልው ኩነታት ለበዳ ይገልጾ። ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ፊንላንድ 4395 እተለኽፉ ከም ዝነበሩዋን ካባታቶም ድማ 177 ከም ዝሞቱን ገሊጻ። ኣብ ዚመጽእ እዋናት ተወሳኺ ከም ዚልከፉ ትጽቢት ከምዝግበረን፣ እቲ እንብሎ ዘሎና ዓመታት ዘቝጽር እንተ ኾይኑ፡ ብዙሕ ክፋል ህዝቢ ኪልከፍ እዩ፡ ከምዝኽእል ይሕብር።