ፊንላንድ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ህጻናት ካብ መዓስከራት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይምግባራ፡ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝጽብጸብ ኮሚተ መሰል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚተ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህጻናት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ኣብ ዝኽእል ኣብ ከምዚ ዝበለ መዓስከራት ምንባር ክቕጽሉ ምግባር፡ መሰሎም ዝግህስ እዩ ኢሉ’ሎ።
እዚ ውሳነ ን ህይወት ሽዱሽተ ህጻናት መዓስከር “ኣል-ሖል” ብፍሉይ ድሕሪ ምጽናዕ እተበጽሐ ምዃኑ እቲ ኮሚተ ሓቢሩ’ሎ።
መንግስቲ ፊንላንድ ህጻናት ሃገሩ ካብ ሓደጋ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነቱን ስልጣኑን ኣይተዋጽአን—ብመሰረት እቲ ኮሚተ።
“ኣል-ሖል” ስድራቤት ዳዕሽ ኣብ ሶርያ ተመዛቢሎም ዝቕመጡሉ መዓስከር እዩ።