ፊንላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትጽንበር ምውሳና ኣብ ፖሊሲ ወጻኢን ጸጥታን እታ ሃገር
ርኡይ ለውጢ ከም ዘምጽእ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ህንዲ ኪሞ ላህደቪርታ ገሊጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ፊንላንድ ነቲ ኣብ ልዕሊ
ዝኾነት ኣባል ሃገር ኔቶ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም መጥቃዕቲ ኣንጻር ኩሉ ዝቑጸር መሰረታዊ መትከል ሓባራዊ ምክልኻል ዘለዋ
ተወፋይነት ዘጉልሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣምባሳደር ላህደቪርታ ምስ ኤኤንኣይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "እዚ ኣብ ፖሊሲ
ወጻኢን ጸጥታና ዓቢ ለውጢ ከም ዝተገብረ ዘመልክት'ዩ። ኣባልነትና ኣብ ኔቶ ሓያሎ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ሸነኻት ዘጠቓልል
እዩ። ብወተሃደራዊ መዳይ፡ ሕጂ ብንጥፈት ንሳተፍ ኣለና" ክብል ገሊጹ።
ላህደቪርታ፡ ፊንላንድ ዘለዋ ርኡይ ዓቕሚ ምክልኻል፡ ሲቪላዊ ድልውነት፥ ከምኡ’ውን ልዕሊ 2% ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር
ንምክልኻል ንምምዳብ ዘለዋ ተወፋይነትን ኣስሚሩሉ፡፡ እዚ ድማ ንጸጥታ ጽኑዕ ተወፋይነት ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ። ወሲኹ
ድማ "ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ምዃና ነቲ ውድብ ዓቢ ረብሓታት ዘምጽእ እዩ ። ሓያል ሃገራዊ ምክልኻል፡ ሲቪላዊ ድልውነትን
ቅልውላው ምጽዋርን ኣለና። ካብ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገርና ልዕሊ 2% ንሃገራዊ ምክልኻል ምምዳብና ትርጉም ዘለዎን ንጸጥታ
ዘለና ተወፋይነት ዘርኢን'ዩ" ኢሉ። እቲ ኣምባሳደር፡ ጎረቤት ፊንላንድ ዝኾነት ሽወደን ኣካል ኔቶ ክትከውን ዘለዋ ባህጊ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ኪዳን ብዘይ ኣባልነት ሽወደን ምሉእ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ፡ ኣብ ምድንፋዕ ጸጥታ ሰሜን ኤውሮጳን ኔቶን ብሓፈሻ ክህሉ
ዝኽእል ምትሕብባር ኣጉሊሑ’ሎ።
ክልቲአን ፊንላንድን ሽወደንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ን ኣባልነት ኔቶ ብሓባር ምምልካተን፥ ይኹን እምበር
ኣባልነት ፊንላንድ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ዝጸደቐሉ እዋን፡ ሽወደን ንኩርዳውያን ትድግፍ ኣላ ብዝብል ቱርኪ ተቓውሞ ከም
ዘጋጠማ ዝፍለጥ እዩ።