ፊንላንድ ንሩስያውያን ዝወሃቡ ቪዛታት ደረት ክትገብረሎም ከም እትኽእል፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ ገሊጹ። ንሱ ዝሓለፈ ሓሙስ ን “ሀልሲንጊን ሳኖማት” ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሚኒስትሪኡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ካብ ሩስያውያን ንዝመጽእ ብዝሒ ዘለዎ ጠለባት ቪዛ፡ ንምዕጋት ሕጋውን ስሉጥን ኣማራጺታት ክፍትሽ ምጽንሑ ገሊጹ’ሎ።.
ሓደ ኣማራጺ፡ ንገለ ቪዛ ካብቲ ካልእ ሓለፋ ምሃብ፡ ከምኡውን ንቱሪስት ቪዛ ዝወሃብ ናይ ግዜ ሰሌዳ ምጽባብ እዩ ክኸውን። በዚ ኣገባብ ኣቢልና፡ ንፊንላንድ ዝጠቕሙ ዝበልናዮም ምብጻሓት ጥራይ ሓለፋ ቪዛ ክንህብ ከኽእለና እዩ። ብተወሳኺ እዚ ኣገባብ ምስ ስርዓተ ሸንገን ዘይጻረር እዩ፡ ክብል ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ጒዳይ ንመላእ ሃገራት ሸንገን ዝምልከት ምስ ምዃኑ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ቼኪያ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ፊናልንድ ነዚ ከም ዛዕባ ከም እተቕርቦ፡ ሃቪስቶ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።