ፊንላንድ ብዕሊ ኣባል ኔቶ ድሕሪ ምዃና፡ ሰራዊት ሽወደን ድሉውነቱ የማልእ ምህላዉ ወኪላት ገሊጾም።
"ፖለቲካዊ ውሳነ ጥራይ ኢና ንጽበ ዘሎና፥ እንተዘይኮይኑ ሕጂ’ውን ናብ ኔቶ ክንጽንበር ድሉዋት ኢና" ክብል ምክትል ኣድሚራል
ሓይሊ ባሕሪ ሽወደን፥ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ወኪል ሰራዊት ሽወደን ናይቲ ኣብ ብራስለስ ዝመደብሩ ኔቶ ዝኸውን ዮናስ
ሃግረን ገሊጹ። ፊንላንድ ን ሽወደን ቀዲማ ኣባል ኔቶ ምዃና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን የለን ዝበለ ሃግረን፡
ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ምዃና ን ጸጥታ እቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ሽወደን’ውን ኣብ ሓምለ ኣብ ዝግበር ጒባኤ ኣባል ኔቶ
ክትከውን እያ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ፡ እዚ እንድሕር ተጓቲቱ ግና ኣብ ዝተናውሐ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ ዝብል ስግኣት
ከም ዘለዎ ሃልግረን ገሊጹ’ሎ።
ፊንላንድ ን ሽወደን ቀዲማ ኣባል ኔቶ ምዃና ገለ ኣሉታዊን ጽቡቕን ሳዕቤናት ኣለዎ፥ ሓደ ካብዚ ሕማቕ ሳዕቤናት ሽወደን
ብምሉእ ልባ ኣብ ውጥን ምክልኻል ከይትሳተፍ ዝገብር እዩ፥ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር
ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ሆካን ኤድስትሮም ይገልጽ። እቲ ጽቡቕ ጎድኑ ድማ ኣብ ቀረባኣ ዘለዉን ተኣፈፍቲን ጆኦግራፍያዊ ጒዳያት
ኣተኲሮ ክትገብረሎም ዘኽእላ ምዃኑ እዩ–ኢሉ። ሽወደን ኣባል ኔቶ እንተኾይና ዝህልዋ ተራ ኣመልኪቱ ድማ፥ ሽወደን ዘይከም
ፊንላንድ ምስ ሩስያ ናይ ሓባር ዶብ የብላን፥ ስለዚ ድማ ዝዓበየ ተራኣ ኣብ ምቕራብ ወተሃደራዊ ጥረ ነገራት ዝተወሰነ ክኸውን
ይኽእል እዩ ክብል ኣብሪሁ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝዓበየ ብድሆ ሰራዊት ሽወደን፥ ስነኣእምሮኣዊ ምትዕርራይ እዩ ዝበለ ኤድስትሮም፡
ብዙሕ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባታት ጌጋ ምዃኑ ምቕባልን ነዚ ምትዕርራይን ከድልየና እዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።