ዝበዝሑ ፊንላንዳውያን ነቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ዝብል ስያመን ደረጃን ኦላንድ ክስረዝ ከም ዝደልዩ ብ ዩኒቨርሲታት
ሄልሲንኪን ቱርኪን እተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እዘን ኣብ መንጎ ሽወደንን ፊንላንድን ዘሎ ባሕሪ ባልቲክ ዝርከባ ርእሰ-
ምምሕዳራዊ ስልጣን ዘለወን ደሴታት፡ ካብ 1856 ጀሚረን ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ኮይነን እየን ጸኒሐን። እንተኾነ ግና
ተቐምጦ እተን ደሴታት እዚ ንልዕሊ ዘመንን ፈረቓን ዝጸንሐ ስያመን ደረጃን ክዕቀብ ከም ዝደልዩ እዮም ዝገልጹ። እዚ ዝደልዩሉ
ምኽንያት ነቲ ከባቢ ካብ ግርጭት ንምውሓስ ምዃኑ እቶም ተቐማጦ ይሕብሩ። ሓደ ኦላንዳዊ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን
ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ እንድሕሪ ተጣሒሱ ኣብ መጻኢ ኣብቲ ከባቢ ዝያዳ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ፊንላንድ ክካየድ እዩ ዝብል
ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።