ኣብ ስራሕ ዝተሞርኮሰ ስደት ናብ ፊንላንድ ቁሩብ እኳ እንተነከየ፥ ካልእ ዓይነት ስደት ግና ክብረወሰን ብዝሕዘ ናህሪ ይቕጽል
ከምዘሎ ማዕከን ዜና YLE ሓቢሩ። YLE ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ባሕቲ ጥሪን 23
መስከረምን መንበሪ ፍቓድ፥ ስራሕ ክደልዩ እተመዝገቡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ን ትምህርቲ ወይ ምጥርናፍ ስድራቤት
40,468 ሰባት ምምዝጋቦም ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ዓመት ዝህሉ ጠቕላላ ትንበያ ተመሳሳሊ ምዝገባታት 54,092 ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ልዕሊ 5,000
ዝበዝሕ እዩ። ዩክሬናውያን፡ ወቕቲ ሓልዮም ዝመጹ ሰራሕተኛታትን ኣብቲ ኣሃዛት ኣይተኻተቱን። ኣብ 2022 ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት
ንስራሕ ናብታ ሃገር ዝገዓዙ ኮይኖም፡ እቶም ዝበዝሑ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾኑ ዜግነት ዘለዎም ጉጅለታት ሩስያውያን፡
ፊሊፒናውያንን ህንዳውያንን እዮም። እቶም ዝበዝሑ ጉጅለታት ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ኢስቶንያውያን፡ ሮማንያውያንን
ላቲቭያውያንን ምዃኖም ኣብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ክኢላ ጒዳያት ስደተኛታት ማርኩስ ሱታሪ ንዋይኤልኢ ኣመልኪቱ፡፡
ቁጽሪ ናይቶም ብ ስራሕ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ብግምት 18,500 ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
“ካብቶም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ናብዚ ዝመጹ ቊጽሪ ፊሊፒናውያን ሓድሽን ብቕልጡፍ ዝዓቢ
ዘሎን ጉጅለ እዩ። ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ማሕበራውን ክንክን ካብ ስሪላንካ፣ ህንዲ፣ ቻይና፣ ባንግላድሽ፣
ፓኪስታንን ቬትናምን እውን ይርከብአን።”
ኣብዚ ዓመት እዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ወሰኽ ኢሚግሬሽን ብፍላይ ካብ ምጥርናፍ ስድራቤትን ፍቓድ መጽናዕትን ዝምንጩ ኮይኑ፡
ብፍላይ ካብ ባንግላድሽ፡ ቻይና፡ ሲሪላንካ፡ ፓኪስታንን ሩስያን ዝመጽእ እዩ።
“ኣባላት ስድራቤት ናብዚ ይመጹ ምህላዎም ስነ-መጐታዊ’ዩ። እዚ ማለት ቁጽሪ ናይቶም [ኣብ] ርክብ ስድራቤት ዝተመርኮሰ
መመልከቲታት ወሲኹ ማለት እዩ” ክብል ሱታሪ ገሊጹ። ኣብ ስራሕ ዝተመርኮሰ ስደት ምንቁልቋል ብውሑዱ ብኽልተ ረቛሒታት
ዝመጸ ኮይኑ፡ ምስ ለበዳ ኮሮና ዝተኸስተ ገደባት ከምኡውን ኣብ ኢንዱስትሪ ህንጻን ቁጠባን ዘሎ ምንቊልቋል እዩ