ኲባንያ ፊናቭያ፡ ኣብ ምሕደራን ምዕባለን መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ኣፍልጦ ረኺቡ። በዚ ድማ
ኣህጉራዊ ትካል መዓርፎ ነፈርቲ ACI፡ ን መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብስፍሓቱ ናይ 2023 ዝበለጸ መዓርፎ ነፈርቲ ኤውሮጳ
ክብል ሓጽይዎ’ሎ።
"በዚ ዝረኸብናዮ ሽልማት ኣዝየ እየ ዘመስግን፡፡ ዓወት መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታን ን ፊንላንድን ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት
ምሃቡ ድማ ሕቡን እየ፥ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ኲባንያ ፊናቭያ፥ ኩለን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝንቀሳቐሳ ኩባንያታት፥
ከምኡ'ውን ንሰራሕተኛታተን አመስግኖም" ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፊናቭያ ኪሞ ማኪ ገሊጹ። ዘ ኤርፖርት ካውንስል
ኢንተርናሽናል (ACI) ፡ ን መዓርፎ ነፈርቲ ኤውሮጳ ኣመራርሓኦም፡ ልምዓታዊ ስራሖምን ዓወታቶም ብምርኣይ ኣፍልጦ ሂቡ ከም
ዝሽልም ዝፍለጥ እዩ።
ሎሚ ዓመት፡ ቀንዲ ረቛሒ እዚ ሽልማት፡ ዘላቕነት መዓርፎ ነፈርቲ፡ ምህዞታት፡ ብቕዓት ስርሒት፡ ጽንዓት፡ ከምኡ’ውን…
ንቅልውላው ለበዳ ናይ ምጽዋርን ምሕዋይን ዓቕሚ እዩ። ብመሰረት ማኪ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ኣብ ሞንጎ በዳሂ
ዓመታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኩለመዳያዊ መደብ ምቑጣብ ወጻኢታት ኣብ ልዕሊ ምግባር፥ ዓቕሙ ንምሕዋይን ንምዕቃብን ብዙሕ
ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ" ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ካልኦት ናይዚ ዓመት ተዓወትቲ መዓርፎ ነፈርቲ፥ ዓመታዊ ትሕቲ ሓሙሽተ ሚልዮን ተጓዓዝቲ ዘአንግድ ማዴራን ሜኖርካን ፡ 5-
10 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ዘአንግድ መዓርፎ ነፈርቲ ሚላኖ ሊናተ ፡ 25-40 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ዘእንግድ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ
ኣቴንስ፥ ፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 40 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ዘገልግል መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ ፊዩሚቺኖ እዮም።