ሩስያ ከም ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዴሞክራስያዊት ክትከውን እያ ዝብል ተስፋ ምሕዳሩ ግጒይ ምንባሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ነበር ኣሌክሳንደር ስታብ ተኣሚኑ። ንሱ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ ሩስያ ዴሞክራስያዊት ሃገር ክትከውን እያ ዝብል ተስፋ ምሕዳሩ ግጒይ ምንባሩ ገሊጹ።
“ቊጠባታት፡ ትካላትን ባህልታትን ኣውሮጳ ክወሃሃዱ እንተጌርና፡ ፋሉልን ዘይሕጋዊን ባህርያት መንግስታት ክጠፍኡ እዮም ዝብል የዋህ ተስፋ ኣሕዲርና ኔርና። መሰረታዊ ጌጋና ካብዚ እዩ ዝብገስ። ሩስያ ዓባይ ሃገር እያ፡ ንነብሳ ድማ ከም ሃጸያዊት ሓይሊ እያ ትሓስባ ዝበለ ስታብ፡ ንባህርያት ሩስያ ኣጸቢቐን ዝግንዘባ ሃገራት ባልቲክን ፖላንድን ብዛዕባዚ የጠንቅቓ ምንባረን ወሲኹ ገሊጹ።