ሃገረ ፊንላንድ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓ ኣፍዂሳቶ ዝጸንሐት እገዳ መገሻ ከምእንደገና ኣጽኒዓቶ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ማልታ፡ ኖርወይ፡ ዴኒማርክን ኣይስላንድ ናይ መገሻ እገዳ ኣጽኒዓ ኣላ።
ኣብ ዶባት ፊንላንድ ዝነብሩ ሽወደናውያን፡ ብምሉእ ናጽነት ናብ ፊንላድ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ፊንላድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ስቨንስካ ኢለ ኣቃሊሑ። ንኣተገባብራ እቲ ውሳኔ ብዝምልከት ንጹር ዝኾነ መምርሒ ኣይተዋህበን። እቶም ሽወደናውያን በጻሕቲ፡ ከማልእዎ ዝግበኦም ሰነዳት እንታይ ምዃኖም ኣይተሓበረን።
ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ እዩ እዚ ኩነታት ክቕጽል፡ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ንቡር ሂወት ክንመርሕን ድልየትና እዩ ክትብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ማርያ ኦሂሳሎ፡ ሓቢራ ክብል ጋዜጣ ስቬኒስካ ኢለ ደምዲሙ።