ፕረዚደንት ሳውሊ ኒኒስትሮ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሄልሲንኪ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ብርክት ዝበሉ
ጉዳያት ኣልዒሎም ምዝታዮም ገሊጹ።
“ብዙሕ ጉዳያት ኢና ኣልዒልና። ምስ ባይደን ብተደጋጋሚ ክንራኸብ ጸኒሕና ኢና፡፡ ስለዚ ድማ ዝርርብና ቀጥታዊ’ን ብዝቐልጠፈ
ናብ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ክንሓልፍ ኣኽኢሉና እዩ” ክብል ብሓሙስ ምስ YLE ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ኣብ
ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ምክልኻል፥ ዓውድታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፡ ኳንተም ኮምፒዩቲንግን ገመድ ኣልቦ ርክብን ዝኣመሰሉ
ጒዳያት ቴክኖሎጂን ዘጠቓልሉ ዛዕባታት ምዝታዮም እውን ኣመልኪቱ።
“ምትሕብባር ቴክኖሎጂ ዓቢ ናይ ጸጥታ ሕቶ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ኳንታም ቴክኖሎጂን ኣቐዲምና ናብ
ዘይገመትናዮ ኣጸጋሚ ኲትታት እዩ ዝወስደና ኣሎ” ክብል ነቲ ህዝባዊ ሚድያ ተዛሪቡ። ኒኒስቶ ብዛዕባ እቲ ክልተኣዊ ስምምዕ
ምክልኻል ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤሊና ቫልቶነን ብወገና ዝሓለፈ ሓሙስ ንሄልሲንጊን ሳኖማት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዑደት ባይደን ናብ
ሄልሲንኪ ዓቢ ለውጢ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ሓቢራ’ላ።