ፊንላንዳዊ ጒጅለ ስቶክማን ነቲ ኣብ ዮተበሪ ዝመደብሩ መኽዘን መሸጣ ኣልባሳት ሊንደክስ ክሸጦ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ጒጅለ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ተገሊጹ። ኣብዚ ጋዜጣዊ ዋዕላ እቲ ጒጅለ “ኣማራጺ ስትራቴጂ” ኣብ ምእላሽ ከም ዝርከብ ኣፍኢሙ’ሎ።
ኣብ መጀመርታ ፍርቂ ዓመትዚ ጒጅለ ሊነክስ ኣብ ምሕደራኡ ገለ ለውጢታት የተኣታቱ ምህላዉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ሊንደክስ ኣብ መጀመርታ ፍርቂ ዓመት 2019 መኽሰቡ ብ 65 ሚልዮን ክብ ምባሉን እዚ ምስ ናይ ዓሚ መኽሰብ (35 ሚልዮን) እንክነጻጸር ዝለዓለ ምንባሩን ተመልኪቱ’ሎ።