ኣስታት 100 ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፥ ናብ ሃገሮም ክስጐጒ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ። እዞም ፊሊፒናውያን ብ
ኲባንያ ኣቴንዶ ኣብ ሽወደን ክሰርሑ ዝሰልጠኑ ምዃኖም ኣገልግሎት ተሌቪዥን ሽወደን SVT ጸብጺባ። “ሰራሕተኛታት ክንክን
ጥዕና፥ ቋንቋ ሽወደን ኣጽኒዖም ኣብ ሽወደን ብነርስነት ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ብ ኣቴንዶ ዝወጸ መወዓውዒ መጋገዪን
ንሕጊ ዝጠሓሰን እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን፥ ኤጀንሲ ስደተኛታት ገሊጹ። በዚ ድማ፥ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት
ፊሊፒንስ ናብ ሃገሮም ክስጐጒ ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ቀዳሞት ልዕሊ 200 ዝኾኑ ፊሊፒናውያን ሰብ ሞያ ክንክን
ጥዕና ብ ፕሮጀክት ኣቴንዶ ኣብ 2016 እዮም ናብ ሽወደን ኣትዮም። ዝርክት ዝበሉ ካብዚኣቶም ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ዝወሰዱ
ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፥ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ እውን ከም ዝረኸቡ ተፈሊጡ’ሎ። እንተኾነ ግና ኣስታት 100 ዝኾኑ ካብዞም
ፊሊፒናውያን፥ ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ጥራይ ዘለዎም ብምዃኖም፥ ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓጒ ተኽእሎ ከም ዘሎዎም እዩ ዝግለጽ
ዘሎ።
እንተኾነ ግና ኣቴንዶ፥ ን ኣገልግሎት ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፥ እዞም መወዓውዒታት ፕሮጀክት ምስልጣን ነርስታት
መጋገየቲ እዮም ኔሮም ንዝብል ክሲ ድሕሪ ምንጻግ፡ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክብለሉ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።