ፈይስ-ቡክ፡ ‘ሊብራ’ ዝተባህለ ሓድሽ ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክዝርግሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባንያ ነዚ ባጤራ ክዝርግሕ ዝመደበሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ – ንዓማዊል ክረዲት ካርድ ኰነ ቍጽሪ ሕሳብ ናይ ባንኪ ከይተጠቐሙ ብቐጥታ ኣቚሑ ንምግዛእ ክኽእሉ ምዃኑ እዩ ፈይስ-ቡክ ዝገልጽ። እዚ ከኣ፡ እቲ ዝዓበየ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መድያ ዘለውዎ ኩባንያ፡ ነቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ዝያዳ ንምምዕባሉ ዝደፍእ ምዃኑ ይሕበር።
ሓደ ተጠቃሚ፡ ዲጂታላዊ ባጤራ ክዕድግ ምስ ዚደሊ – ኣብ ጥቓኡ ካብ ዝርከብ ናይቲ ትካል ድኳን ወይ ማእከል፡ ብካልኦት ነቲ ክሪፕቶ-ካረንሲ ዝሸጡ ሳልሳይ ኣካል ትካላት፡ ወይ ድማ ብመንገዲ’ቲ ካሊብራ ዝተባህለ ኣፕሊከሽን ክካየድ ይኽእል። ፈይስ-ቡክ ንዕላማ ናይቲ ዲጂታላዊ ባጤራ ክገልጽ እንከሎ፡ “ሓደ ዝተራቐቐ ዓለምለኻዊ ባጤራን ቁጠባዊ ትሕተ-ቅርጺን ብምንዳፍ፡ ነቶም ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዕድል ምፍጣር እዩ፡” ይብል።
እቲ ኩባንያ ከም ዝሕብሮ፡ ዲጂታላዊ ባጤራ ሊብራ፡ ከም ካልኦት ዲጂታላውያን ባጤራታት ዋጋኡ ዝለዋወጥ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ብናይ ባንክ ዲፖዚትን ካልኦት ናይ ድሕነት ፖሊሲታትን ዝተዋሕሰ ብምዃኑ ዝያዳ ዝበለጸ ከም ዝገብሮ እዩ። ነቲ ዲጂታላዊ ባጤራ ክውን ንምግባሩ ከም ኡበር፡ ስፖቲፋይ፡ ፐይፓል፡ ቪዛን ማስተር ካርድን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ነፍሲ-ወከፎም 10 ሚልዮን ዶላር ኣውፊሮም ምህላዎም እዩ ዝሕበር። እዚ ከኣ፡ ነቲ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝያዳ ካልኦት ዝሓየለ ሓድሽ ባጤራ ክገብሮ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ። ብዘይካ’ዚ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ባንክታት እውን በቲ ፈይስ-ቡክ ኣዳልዩዎ ዘሎ ሓድሽ ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ኣዝየን ተሓጒሰን ምህላወንን፡ ምስ ኣሰራርሓአን ዝጥዕም ብምዃኑ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ስራሕ ከውዕላኦ ምዃነን ሓቢረን ኣለዋ። እንተዀነ፡ ሓድሽ ዲጂታላዊ ባጤራ ሊብራ፡ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርግሑ ከማልኦ ዘለዎ ክጥዕታት ስለዘሎ፡ እቲ ባጤራ ዝዝርግሓሉ እዋን ቀረባ ዘይክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝሕበር ዘሎ።
ምንጪ፦ futurism.com