ኣብ ማእከል ከባብያዊ ለበዳ፡ ተመራመርቲ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት፡ ካብ ሚያዝያ 2020 ኣትሒዞም ኲነታት ፈሳሲ ጎሓፍ ኮቪድ ክከታተሉ ምጽንሖም ተገሊጹ።
ብመሰረት እዞም መርመራታት፡ “እዚ ናይ ፈሳሲ ጎሓፍ፡ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኲነታት ለበዳ ዘርኢ ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ጥዕና ገምጋም ክኽንወስድ ዝሕግዝ እዩክብል” ኣብቲ ማእከል ተመራማሪ፡ ከምኡ’ውን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ትካል ቴክኖሎጂ ሮያል፡ ዘይነብ ጉሮል ገሊጻ’ላ። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ፡ ሰሙናዊ ኲነታት እዚ ናይ ፈሳሲ ጎሓፍ ክቕበል ምጽንሑ፡ እንተኾነ ግና ኣብ መጻኢ ከጋጥም ንዝኽእል ለበዳ ምህሮ ክውሰደሉ እንተኾይኑ፡ እዚ ኩነታት ዝያዳ መጽናዕቲ ከካይድሉ ከም ዝግባእ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።