ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኸስተ ጃምላዊ ህልቂት ዓሌት ቱትሲ፡ ኢድ ኔርዎ ንዝበሎ በዓልመዚ ሩዋንዳ ነበር ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦን፡ ን 20 ዓመት ከም ዘፈረዶን ቢቢሲ ጸብጺባ። ብገበን ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ካብ እተዳነዩ ሩዋንዳውያን፡ ሎረን ቡሲባሩታ እቲ ዘለዓለ በዓልመዚ ምዃኑ፡ ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ቡሲባሩታ፡ ኣብ እዋን እቲ ጃምላዊ ህልቂት ኣመሓዳሪ ደቡባዊ ጂኮንጎሮ ምንባሩን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቱትሲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነኪነት ሙራምቢ ክዕቆቡ ድሕሪ ምግባር፡ ድሕሪ መዓልታት ብጅምላ ክሃልቁ ምግባሩ ኣብቲ መጋባእያ ተገሊጹ።