ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት፡ ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ዞባ ሳሕል) ዝነበራ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክትንኪ ምዃና ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።
ምስ ፍሉያት ሓይልታት ልፍንቲ ብምግባር፡ ኣንጻር ግብረ ሽበራ፡ ሓያል ዝኾነ ስርሒት ከነካይድ ኢና ክብል፡ ማክሮን፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ። እቲ ኣብዚ ዞባ ዝጸንሐ 5100 ሰራዊት ናብ ዝሰፍሐ ኣህጒራዊ ተልእኾ ክወሃሃድ እዩ ክብል ማርኮን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስ ኣልቃዒዳን ዳዕሽን ኪዳን ዘለዎም ጉጅለታት፡ ሓይሎም ክድልቡ ምጽንሖምን እቲ ዞባ ማእከል ቅልስ ኣንጻር ግብረሽበራ ምዃኑን ጸብጻባት የመልክቱ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ዞባ፡ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር፡ ዕጸፋርስን ስደተኛታትን ከም ዝኾነ ይንገር።
ሓይልታት ፈረንሳ ኣብ ሃገራት ቻድ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ሞሪቲርንያን ቡርኪና ፋሶን ዘሎ ግብረ ሽበራ ምንቅስቓስ ንምቅላስ፡ ስርሒታት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።