ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነቲ ኣብ 1994 ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ፡ ሩዋንዳ፡ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኣመልኪቱ፡ ንሩዋንዳ፡ ይቕሬታ ሓቲቱ። ኣብዚ ጃምላዊ ህልቂት፡ ክሳብ 800 ሽሕ ዓሌት ቱትሲ፡ ብዓሌት ሁቱ፡ ከም እተቐትሉ ዝፍለጥ እዩ። ማክሮን ኣብ ቤተ መዘክር ጃምላዊ ህልቂት፡ ከተማ ኪጋሊ፡ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበር እዋን ” ፈረንሳ ኣብ ሩዋንዳ ጃምላዊ ህልቂት ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝመጽእ ዝነበረ መጠንቀቕታታት፡ ሸለል ምባላን ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነታት ምምርማር ስቕታ ምምራጻ” ግቡእ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።
እንተኾነ ግና ፈረንሳ፡ ኣብዚ ጃምላዊ ህልቂት ተሓባባሪት ኣይነበረትን ኢሉ። ፕረሲደንት ሩዋንዳ፡ ፖል ካጋመ ብወገኑ፡ እዚ ቃላት ብዙሕ ትብዓት ዝሓትት ብምዃኑ ካብ ይቕሬታ ምሕታት ንላዕሊ ዋጋ ዝወሃቦ እዩ ኢሉ።