ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ሞንታውባን ሓድሽ ሓወልቲ ዝቖመሉ ናይ መወዳእታ ዲክታቶር ፈረንሳ: ናፖልዮን ቦናፓርተ: ብኸመይ ክዝከር ኣለዎ ኣብ ዝብል ሕቶ: ፈረንሳውያን: ኣፈላላይ የርእዩ ምህላዎም ተገሊጹ።
ኣብ ደሴት ቅድስቲ ሂለና: ቅድሚ 200 ዓመት ዝሞተ: ናፖልዮን ቦናፖርት: ኣዝዩ ስሙይ ወተሃደራዊ ስትራቴጂስት ምንባሩ ተመራመርቲ ታሪኽ ይሰማምዑ። ብዘይካ’ዚ: ንሰውራ ፈረንሳ ብምድሓን: መሰረት ዘመናዊት ፈረንሳ ከም ዘቘመ ይንገረሉ። እንተኾነ ግን: ኣዝዩ ሕሱም ውልቀ መላኺን ባርነት ኣብ ፈረንሳ ክምለስ ዝገበረን ሰብ ምዃኑ ታሪኻዊ ሓቂ ምስ ምዃኑ: እዚ ሰብ ብኸመይ ክዝከር ዝግብኦ ኣብ ዝብል: ኣብ ፈረንሳውያን ዓቢ መከራኸሪ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።
“ከም ኲሎም ናይ ታሪኽ ሰባት: ናፖልዮን እውን: ጻዕዳን ጠቃርን ክፋላት ዘለዎ እዩ፥ መሪጽካ እንድሕሪ ስብእና ክትሃንጽ ትፍትን ኣለኻ ናብ ምኹናን ክትከይድ ግድነት እዩ” ክብል ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ: ፊሊፕ ቤሰድ: ይገልጽ።
እዚ ክርክር ካብ መበል 150 ዓመት ሞት ናፖልዮን፥ ቅድሚ 50 ዓመት ኣትሒዙ ዝቐጸለ ኮይኑ: ነቐፍቱ: ብፍላይ ነቲ ኣብ ካሪብያንን ህንዳዊ ውቅያኖስን: ናፖልዮን: ደጊሙ ዘበራበሮ ንግድ ባርያ: ከም ዓብዪ ጸሊም ነጥቢ ይጠቕስዎ።
“ናፖልዮን: ኣብ ግብራዊ ስትራቴጂ ዝኣምን ሰብ እዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ካሪብያን ዝወሰዶ ስጒምቲ ድማ ብመንጽር ቊጠባዊ ወተሃደራዊን ዕቤት ፈረንሳ እዩ ኔሩ” ክብል ፕሮፌሰር ማሊክ ጋሸም ይገልጽ።