ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንሓንቲ ሰበይቲ ዓሚጹ ናብ ጒድጓድ ብምድርባይ ዝቐተለ ሰብኣይ ን “ዕድመ ይፍታሕ” ተፈሪዱ።
እዚ 41 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ኖርበሪ፡ ንግዳይ ድሕሪ ምዕማጽ 24 ሜትሮ ናብ ዝምዕማቚ ጒድጓድ ደርብዩ
ብምቕታሉ እዩ እዚ መቕጻዕቲ ተበይንሉ ዘሎ ።
እቲ ሰብኣይ ነዚ ወንጀል ኣይወዓልክዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ምሃቡ፡ ጠበቓኡ ኸኣ ይግባይ ክብል ተዳልዩ ምህላዉን ተፈሊጡ።