እቲ እትበልዖን እትሰትዮን፡ ኣብ ጥዕናኻ ኣዝዩ ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ጽቡቕ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ ካብ ብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማት ንኣብነት፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን (hjärt- och kärlsjukdomar): ሕማም ሽኮር (diabetes): ሕማም መንሽሮን (cancer) ሕማማት ስነ-ኣእምሮን ዝኣመሰሉን ክከላኸሉልካ ይኽእሉ።
ኣካላት ወድሰብ ዝተፈላለዩ ንጥረ ነገራት ይደሊ። ኲላቶም እቶም ዘድልዩ ንጥረ ነገራት ንምርካብ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግብታት ክትምገብ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ውሱናት ግዜታት፡ ቊርሲ: ምሳሕን ድራርን እንተ በሊዕካ: ብዕቅን ክትበልዕ ይቐለልካ።
ንጥዕናና ብሉጻት ብዛዕባ ዝኾኑ መግብታት ዝምልከቱ ምኽርታት፡
ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)’፡ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ጒዳያት ኣመልኪቱ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል’ዩ። ሃገራዊ ወኪል መግቢ፡ ንጥዕናና ብሉጻት ዝኾኑ መግብታት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ምኽርታት ኣለዉዎ። ንኣብነት፦
- ፍሩታ፡ ኣሕምልትን ጥረምረን ወይ ፍረታትን ብብዝሒ ብልዑ። ገዘፍቲ ኣሕምልቲ፡ ከም ሰራውር ዘለዎም ኣሕምልቲ፡ ካውሎ፡ ካውሎ-ፍዮሪ፡ ብሮኮሊ፡ ባልደንጓ-ኣዳጒራን ሽጉርትን ምብላዕ ኣዘውትሩ። ኣሕምልቲ፡ ፍሩታ፡ ጥረታትን ካልኦት ዓይነታት ኣትክልትን ብብዝሒ ምብላዕ፡ ብዙሕ ጥዕናዊ መኽሰብ ኣሎዎ።
- ባኒ፡ ኮርንፍሌክ፡ ግዓት፡ ፓስታን ሩዝን ክትበልዕ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘይተነፈየ ዓይነት እኽሊ ዘሎዎ ሓርጭ ምረጽ።
- ኣብ ሰሙን፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ፡ ዓሳ ወይ’ውን ፍርያት እንስሳታት ባሕሪ ተመገቡ። ስብሒ ዘሎዎምን ዘይብሎምን እናዛነቕኩም ብልዑ። ንኣከባቢ ዘይሃሲ ዝብል ምልክት (miljömärkt) ዘሎዎም ሃለኽቲ’ውን ኣዘውትሩ።
- መግቢ ክትክሽኑ ከለኹም፡ ሃብታም መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ ዘይቲ ተጠቐሙ። ንኣብነት ራፕስኦልያ ወይ’ውን ካብ ራፕስ (ፍረ) ዝተሰርሑ ዘይቲ-መግብን ዝልከዩ ማርጋሪንን ተጠቐሙ።
ዓይኒ መፍትሕ (Nyckelhålet)
ኣብ ድኳናት-መግቢ፡ ዓይኒ መፍትሕ ዝመስል ስእሊ ዘለዎም ሃለኽቲ መግብታት ኣለዉ። እዞም ዓይነታት ሃለኽቲ መግብታት’ዚኣቶም ንኣካላትና ብሉጻት እዮም። ውሑድ ትሕዝቶ ስብሒ: ሽኮርን ጨውን ድማ ኣለዎም። ካብ’ቶም እዚ ምልክት ስእሊ’ዚ ዘይብሎም ተመሳሰልቲ ሃለኽቲ መግብታት’ውን ዝያዳ ጽሕጎ (fibrer) ኣለዎም። ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)፡ ምልክት ዓይኒ-መፍትሕ ዘለዎም መግብታት ክትዕድጉ ይመኽረኩም።
ምኽሪ ንዓበይቲ
ብዙሓት ኣባጽሕ፡ ውሕድ ዝበለ ጽዑቕ ስብሒ (mättat fett) እንተ ዝምገቡ፡ ጽቡቕ ጥዕና ምሃለዎም። ጽዑቕ ስብሒ፡ ኣብቲ ካብ እንስሳታት ዝስራሕ መግቢ ይርከቡ። ንኣብነት፡ ካብ ሓፊስ ጸባ: ርግኦ: ጠስሚ: ፎርማጆ: ስቡሓት ፍርያት ስጋ: ስብቆ: ጀላቶን ችኮላታን። ካብ ገለ-ገለ ኣትክልቲ ዝወጹ ቅብኣታት፡ ንኣብነት ከም ዘይቲ ዓካትን ስየን (kokos- och palmolja)’ውን ይርከብ’ዩ። ጽዑቕ ስብሒ፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምሕማም ሓደጋ ከዛይድ ይኽእል’ዩ።
ዘይጽዑቕ ስብሒ (Omättat fett)፡ ንኣካላት ወድሰብ ጽቡቕ’ዩ። ሓደጋ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ክንኪ ድማ ይኽእል። ዘይጽዑቕ ስብሒ፡ ኣብ ዝበዝሑ ኣሕምልታውያን ቅብኣታት፡ ኣብ ልምሉማትን ፈሰስትን ቅብኣታት መግቢ፡ ኣብ ዓሳ፡ ኣብ ዓካዓካን (nötter) ሉዝን (mandlar) ይርከብ።
ኣብ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ብዙሓት ንኣካላት ወድሰብ ዘድልዩ ንጥረ ነገራት፡ ንኣብነት ከም ቪታሚናት፡ ማዕድናትን ጽሕጎን ኣለዉ። ጽሕጎ፡ ኣብ ካሮቲ፡ ብሮኮሊ፡ ዓይኒ ዓተርን ካውሎ ካቡቺን ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ይርከብ። መዓልቲ-መዓልቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ምብላዕ ጽቡቕ’ዩ።
ምንጪ: information om sverige